Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቱዋል ካሬ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መነግስታት ዝተፃወቶ ግደ ብዝምልከት ኣይተ ደመቀ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ኣቢዬ ዝርከብ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ኢትዮጵያ፥ ፀገማት እንተጋጠምዎ እውን ሰላምን ምርግጋዕን ንክነግስ ልዑል ግደ ይፃወት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንውድብ ሕቡራት መነግስታት ብቐፃልነት ደገፍ ከምእትገብር እውን ገሊፆም።

ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቱዋል ካሬ ብግደኦም፥ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ንዘበርክቶ ዘሎ ኣበርክቶ አመስጊኖም።

ብተወሳኺ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ዝነበሮ ኣፈፃፅማ ምንኣዶም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.