Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ቻይና ዝገበርዎ ዑደት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘበረኸ ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ ግንቦት 23፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ቻይና ዝገበርዎ ዑደት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘበረኸ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ ኣይተ ደመቀ ዝገበርዎ ዑደት 5 መዓልታት ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓውዲታት ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ዝሓሸ ሕውነት ንምምስራት ዘኽእል ምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣመሓደርቲ ግዝኣት ጉዋንዱንግ፣ ከንቲባ ከተማ ጉዋንዡ ዝገበርዎ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ እውን ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ዘሎ ምትሕብባር ንምስፋሕ ዘኽእል ምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ሓቢሮም።

ብድምር ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ቻይና ዝገበርዎ ዑደት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘበረኸ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.