Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ምስ ዝነብሩ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲይም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ዝነብሩ መራሕቲ  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲይም።

እቲ ዘተ ብቀንዱ፥ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታትን ኣብዚ ፈታኒ እዋን መነግስቲን ቤተክርስቲያንን ብምትሕብባር ክሰርሕዎም ምስ ዝግባእ ዓውዲታትን ንምልዛብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ደመቀ፥ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዘንፀላለዉ ፀገማት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ መላእ ኢትዮጵያውያን ገብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምውጋእ ሓደ ምዃንን ምትሕብባርን ከምዝግበኦም ገሊፆም።

ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፥ ኩነታት ኢትዮጵያ በዝምልከት ምስ ሓለፍቲ መምርሒ ጉዳይ ወፃኢ፣ ኣባላት ሴኔት ኣሜሪካን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካን ተደጋጋሚን ዝተፈላለዩ ዘተታተን ምግባሮምን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.