Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሚስተር ምክልኻል ጥሜትን ሰብኣዊ ጉዳያትን እግግሊዝ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሚስተር ምክልኻል ጥሜትን ሰብኣዊ ጉዳያትን እንግሊዝ ኒክ ዳየር ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ክልል ትግራይ ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ተላዒሎም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኣብ ትጋራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዘድልዮም ወገናት እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሓገዝ ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰፊሕ ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽን ህንፀትን ዝምልከት መብርሂ ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ሂቦምዎም፡፡

ስለዝኾነ ኣብ ቀዳማይ ዙር 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን፤ ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሰባት ድሌት ዘገናዘበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሳልሳይ ዙር ከምዝካየድ ተዛሪቦም፡፡

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እውን መሰል ስራሕቲ ምርመራ ብምክያድ ተሳተፍቲ ኣካላት ተሓተትቲ ኣብ ምግባር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘበናት ዝተሳገረ ርክብ ብምዝኽኻር ርክበን ብዝበለፀ ከጠናኽራ ከምዝግባእ ኣአንፊቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.