Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፓርፋይት ኦናንጋ ተዛቲዮም።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ እዋን እቲ ዘተ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ እዋን እቲ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ጉድኣት ንከይበፅሕ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።

መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ክልል ከምዝተቐፃፀረን ሓራ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት ግዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ከምዝጀመረን ገሊፆም።

ከምኡ ውን ሓራ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት መንግስቲ ሰብኣዊ ደገፋት ምቕራብ ከምዝጀመረን እቲ ድጋፍ እውን ብኣካላት መንግስቲ ብመሰረት ዝተገበረ ዳህሳስ መፅናዕቲ ቀዳምነት ንዝወሃቦም ከባቢታት ንክባፃሕ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብምኽኒያት እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብዝምልከት እውን ኣብሪሆም።

ፓርፋይት ኣናንጋ ብግደኦም፥ ብዛዕባ ዝተገበረሎም ገለፃ አመስጊኖም፤ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከምኡ ውን ንፁሃን ዜጋታት ንከይጉድኡ ዝግበር ጥንቃቐ ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩን ከምዝሓተቱ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.