Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣም ኣምባሳደር ዴንማርክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራት ተዛቲዮም፡፡

እቶም ርሰ ምምሕዳር÷ ኣብ ኣተገባብራ ከይዲ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያን ዘጋጥሙ ዘለዉ ማሕለኻታት፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕፅል ኣብ ምግባር፣ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ህይወት ዝጅምርሉ ከምኡ እውን ብዛዕባ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዘድሃቡ ወሰንቲ ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

ሃገራት ዴንማርክ፣ ኖርወይን ኔዘርላንድን ከምኡውን ኣውሮፓ ሕብረት ኣብ ዙርያ መለሽ ጉዳያት ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝተፃወቱ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽትግበርን ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ክፍፅሙ ፀዊዖም።

ጉጅለ ልኡኽ እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም÷ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ሓገዝ ከምዝግብሩ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ሓዊሱ ኣምባሳደራት ኖርወይ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ካውንስለር ኔዘርላድስን ተወካሊ ኤጀንሲ ስግግር ሕርሻ /ኤቲኤ/ን ከምዝተረኸቡ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.