Fana: At a Speed of Life!

ኣጋይሽ ሰላሞምን ድሕንነቶምን ዝተሓለወ ንክኸውን ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ፖሊስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ዳያስፖራታትን ካልኦት ኣጋይሽን ድሕንነቶም ዝተሓለወ ንክኽውን ኣብ ስራሕቲ ሆቴልን መዘናግዕን ምስ ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ትካላትን ሰብሞያ ሓለዋን ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዘፈር ገበንን ሓደጋ ትራፊክን መንገሻ ሞላን ዳይሬክተር ኣገልግሎት ማህበረሰብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ  ኮማንደር ሰለሞን ፋንታሁንን ተሳቲፎም።

ምኽትል ኮሚሽነር መንገሻ ሞላ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ÷ “ውድቀትና ዝምነዩ ታሪኻዊ ፀላእትና ሕዚ ይኹን ቀፃሊ ዓሪፎም ኣይድቅሱን” ኢሎም።

ኣብቲ ጉዳይ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኮማንደር ሰለሞን ፋንታሁን ብግድኦም÷ ኣብ ከባብታት ሆቴልን መዘናግዕን ዝራኣዩ ክፍተታት መልዐሊ ብምግባር መፍትሒ ሓሳባት ኣመላኺቶም።

ኣብቲ መድረኽ ልውውጥ ሓበሬታ፣ ዓውዲ ስልጠናን ተዛመድቲ ዝኾኑ ጉዳያትን ካብቶም ተሳተፍቲ ንዝተልዓሉ ሕቶታት፤ በቶም ሓለፍቲ መልሲ ከምዝተወሃቦም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ  ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.