Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካውያን ንልምዓት ኢንዱስትሪን ምጥንኻር ሕድሕዳዊ ንግዲን ትኹረት ክህቡ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካውያን ንልምዓት ኢንዱስትሪን ምጥንኻር ሕድሕዳዊ ንግዲን ትኹረት ክህቡ ከምዝግባእ ምክልት ቀዳማይ ሚነሲትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይ ተደመቀ መኮንን ኣብ ኒጀር ከተማ ኒያሚ ኣብ ዝተጀመረ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ምትእስሳር ንግዲ ንኽስፋሕፋሕን ልምዓት ኢንዱስትሪ ብዝተቐላጠፈ ኩነታት ክቕፅልን ክገብራ ከምዘለወን ኣገንዚቦም፡፡

እዚ ንምዕዋት ድማ ግደ ኣመራርሓታት ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ዘጋጥሞም ውዳበኣዊ ማሕለኻ ንምውጋድን ንምብርትታዕን ትልሚ ዕቤት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረት ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ዝተማለአ ዓቕሚ ዘለዎምን ኣገልግሎት ሓደ መስኮት ዝህቡን 22 ኢንዱስትሪ ፓርክታት ከምዝሃነፀትን ስርዓት ትምህርቲ ንልምዓት ኢንዱስትሪ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ክፈጥር ብዝኽእል ኩነታት ከምዘተሓንፀፀ ተዛሪቦም።

ፍሉይ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ”ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንመካተቲን ዘላቒን ዕቤት ኢንዲስትሪን ምስፍሕፋሕ ዘፈር ኢኮኖሚን” ብዝብል ርእሲ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ ኣኼባ÷ ብምክልት ቀዳማይ ሚነሲትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ እናተሳተፈ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.