Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ብፍሪያት ምግቢ ዓርሳ ንክትክእል መራሕታ ብቖራፅነት ተላዒልና ኢና- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ብፍሪያት ምግቢ ዓርሳ ንክትክእል መራሕታ ብቖራፅነት ተላዒልና ኢና ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ጉዕዞ ውሕስነት ምግቢ ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ምስ ሓላፊ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንዉሚ ኣድሲና ዘቲየን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ እትጓዓዞ ዘላ ዝነኣድ ጉዕዞ ኣብሪሀን።

ንኣብነት ብፍሪያት ስርናይ ንባዕላ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምልኣኽ ምጅማራ ተዛሪበን።

ከም መራሕቲ ኣፍሪካ ኩላህና ብፍሪያት ምግቢ ንባዕልትና ንምኽኣል ብቖራፅነት ተላዒልና ኢና ክብላ እወን ሓቢረን።

ኣኪንዉሚ ኣዴሲና (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ምግብን ንግዲ ግብርናን ኣፍሪካ ኣብ 2030 ዓ.ም.ፈ ብግምት 1 ትሪሊየን ዶላር ከምዝግመት ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.