Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ መድሓኒታት ኣፍሪካ ምጥንኻር ንኣፍሪካውያን ዝሓሸ ተበፃሕነት ጥዕናን መድሓኒትን ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ መድሓኒታት ኣፍሪካ ምጥንኻር ንኣፍሪካውያን ዝሓሸ ተበፃሕነት ጥዕናን መድሓኒትን ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኤጀንሲ መድሓኒታት ኣፍሪካ ብዝምልከት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ሚሼል ሲዲቤ ተዛቲየን።

እቶም ልኡኽ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝተትሓዘ ትልሚ መድሓኒታት፣ ፈሪያት ሕከምናን ቴክኖሎጂን ቀንዲ ተቖፃፃሪ ምጥያሽ ብዝምልከት ነተን ፕሬዚዳንት ኣቕሪበሙለን።

እተን ፕሬዚዳንት፥ ብለበዳ ኮቪድ 19 ምምሃር ከምዘድሊን ኤጀንሲ መድሓኒታት ኣፍሪካ ምጥንኻር ንኣፍሪካውያን ዝሓሸ ተበፃሕነት ጥዕናን መድሓኒትን ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ዝፃወት ከምዝኾነን ገሊፀን።

እቶም ትካላት እንተዘይተጣይሾም ኣፍሪካ ንቐፃሊ ሓደጋ ደልውቲ ንምዃን ከምእትፅገም ብኣፅንኦት ምዝራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳነት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.