Fana: At a Speed of Life!

እቲ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ፈታሒ ኣብ ዝኾኑ ነገራት ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ትፅቢት ከምዝገብር ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ፈታሒ ኣብ ዝኾኑ ነገራት ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ትፅቢት ከምዝገበር ተሓቢሩ።

ንኣስታት ክልተ ዓማዉቲ መሃያ ከይተኸፈሎ ንዝፀንሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ መሃያ ምኽፋልን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላስ ቀዳምነት ሂቡ ክስራሕ እዩ ዝብል ትፅቢት   ከምዘለዎ ምስ መሶብ ፋና ፃንሒት ዝገበሩ ብዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ሓዱሽ ዓፈራ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ዉዕሊ ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ፌደራል እናወሰዶ ዘሎ ስጉምቲ መንግስቲ ነቲ ስምምዕነት ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኣየ፤  ሰላም ኢትዮጵያ ደለይቲ ንዘይኾኑ ኣካላት ድማ ምላሽ ዝሃበ ከምዝኾነ ኣይተ ሓዱሽ ሓቢሮም፡፡

እቲ ሰላም ዘላቂ ንክኾን በቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ዝተጎድኡ ወገናት ግቡእ ዝኾነ ካሕሳ ክረኽቡ ከምኡእዉን ኣብቲ ክልልት ዝርከቡ ዘይሕጋዉያን ዕጡቃት ዕጥቆም ክፈትሑ ምግባር ከምዝግባእ እዉን ገሊፆም፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣይተ ሓዱሽ ከምዝበልዎ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ንምፍጣር ተሓሲቡ ዝነበረ ምፍሕፋሕ ንጎኒ ብምግዳፍ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምፍጣርን ምጥንኻርን ካብ መንግስቲ ፌደራልን ካብቲ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

ብክንድሓፍቲ ሃ/ስላሴ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.