Fana: At a Speed of Life!

’እቲ ግድብ ናተይ ኢዩ’ ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዓብዪ ስምዒት በዓል ዋናነት ፈጢሩ ኢዩ – ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)’እቲ ግድብ ናተይ ኢዩ’ ዝብል ኣበሃህላ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዓብዪ ስምዒት በዓል ዋናነትን ተበግሶን ከምዝፈጠረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካን ዋና ተደራዳሪ እቲ ግድብን ስለሺ በቀለ ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

“ብሕብረት ብምዃን ከበድቲ ፈተናታት እንተይተረፈ ብምሕላፍ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ዘብፅሑ ኣከኣላት ኩሎም ምስጋና ይግበኦም” ኢሎም።

ኣብ 2003 ዓ.ም ዝጀመረ ህንፀት እቲ ግድብ ምትሕብባር ኣጠቓቕማ ማይ፣ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ሰናይ ጉርብትናን ማእኸል ዝገበረ ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እናገለፀት ፀኒሓ።

እቲ ግድብ ብዝምልከት ምስ ግብፂን ሱዳንን ዝግበር ሰለስተኣዊ ድርድር እውን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነትን ፍትሓዊነትን መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ክካየድ ከምዘለዎ እውን ገሊፃ ኢያ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምልኢት ማይን ሓፈሻዊ ስራሕን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተመልከተ ሰለስተኣዊ ድርድር ተኻይዱ ብዘይስምምዕነት ከምዝተዛዘመ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝነበሩ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ ጋዜጣዊ መግለፂ እናሃቡ እናሃለዉ ዝተፈጠረ ኩሉ ግዘ ከምዘይርስዑዎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለፂኦም ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝመፅአት ጋዜጠኛ “ግድቡ እንትዛዘም መን ኢዩ ከመሓድሮ?” ዝብል ግቡእ ዘይኮነ ሕቶ እንትተልዕል ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ፤ It’s My Dam ወይ ድማ “እቲ ግድብ ናተይ ኢዩ” ብምባል ንሕና ኢትዮጵያውያን ክነመሓድሮ ኢና ዝብል ምላሽ ምሃቦም ኣዘኻኺሮም።

ድሕሪ እቲ ጋዜጣዊ መግለፂ እቲ ግድብ ናተይ ኢዩ ወይ እውን #Its My Dam ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ልቢ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሓዲሩ ህዝቢ ኣብቲ ግድብ ዘለዎ ስምዒት በዓል ዋናነት ብዝበለፀ ክብ ከምዘበሎ ተዛሪቦም።

እቲ ኣበሃህላ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዓብዪ ምልዕዓልን ስምዒት ወናንነትን ምፍጣሩ ነቲ ግድብ ዝግበር ሓገዝ ህዝቢ ንምትሕብባር ቁልፊ ግደ ከምዝተፃተ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.