Fana: At a Speed of Life!

እኒ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ (ወዲነጮ) ክሲ ክምስረተሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ሬዲዮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምቁራፅ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ንክበፅሕ ገይሮም ኢዮም ዝተብሃሉ ሓላፊ መምርሒ ኮሚኒኬሽን ምክልኻል ሃገር እኒ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ (ወዲነጮ) ክሲ ክምስረተሎም ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ መድብ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ኣብቶም ተጠርጠርቲ ክሲ መመስረቲ ጊዘ ቆፀሮ ሓቲቱ ተፈቒዱሉ።

ክሲ መመስረቲ ዝተሓተተሎም ተጠርጠርቲ ሓላፊ መምርሒ ኮሚኒኬሽን ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ፣ ሜጀር ጄኔራል ይርዳው ገብረመድህን፣ ብርጋዴር ጄኔራል አብርሃም መውጫ፣ ኮሎኔል ገብረህይወት ደስታ፣ ኮሎኔል ዮሃንስ በቀለ፣ ኮሎኔል ዘመን ታመነ ፣ ሻለቃ ገብረእግዚአብሄር ግርማይ፣ ሌተናል ኮሎኔል ተክለ ኃይሉ፣ ሌተናል ኮሎኔል ምሩጽ ወልደአረጋይ፣ ሻለቃ ኃይለስላሴ ግርማይን  ሻለቃ ብርኃኔ ገብሩን ኢዮም።

እቶም ተጠርጠርቲ ብጉጅል ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ብዝተጠርጠርሉ ህገመንግስትን ህገመንግስታዊ ስርዓትን ንምፍራስ ፈተነ ገበን ምርመራ እንትግበረሎም ከምዝፀንሐ ዝዝከር ኢዩ።

ይኹን እንበር እቲ ምርመራ ምዝዛሙ ስዒቡ ዓቃቤ ሕጊ ክሲ መመስረቲ ጊዘ ሓቲቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ዓቃቤ ቸሕጊ ካብ ዝሓተቶ 15 መዓልታት ውሽጢ 10 መዓልታት ብምፍቃድ ክሲ ንክምስረት እቲ መዝገብ ምርመራ ከምዝዓፀወ ኣፍሊጡ።

ይኹን እንበር ዓቃቤ ሕጊ በቲ ዝተሓተተ ጊዘ ክሲ እንተዘይመስሪቱ ብኻሊእ መዝገብ እቶም ተጠርጠርቲ መሰሎም ምሕታት ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.