Fana: At a Speed of Life!

እናወቕዐ ዝርከብ ዝናብ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜትሮሎጂ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኤጀንሲ ብሄራዊ ሜትሮሎጂ ገሊፁ።

እቲ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዝናብ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ዝኽእል ዋላ እንተኾነ፥ ንዘፈር ሕርሻ ግን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ።

በዓል ሞያ ትንበያ ኩነታት ኣየርን ፀባይ ኣየርን ሜትሮሎጂ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ታምሩ ከበደ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ደቡብ ምዕራብ ጋምቤላ፣ ህዝቢታት ደቡብ፣ መብዛሕትኡ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክወቅዕ ኢዩ።

ዳይሬክተር ጀነራል ኤክስቴንሽን ሕርሻ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣይተ ግርማሜ ጋሩማም ብግደኦም፥ ካብ እዋኑ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ሃገር እናወቕዐ ዝርከብ ዝናብ ንፍርያዊነት ፅድያን ንምድላው ሕርሻ ክረምቲን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለዝኾነ ሓረስቶት ውሕጅ ናብ ግራቶም ከየኣቱ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.