Fana: At a Speed of Life!

 “ከተማና ካብ ርስሓት፣ ሃገርና ካብ ጁንታ፣ ክሕደትን ፅልእን ነፅሪ” ወፍሪ ፅሬት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ከተማና ካብ ርስሓት፣ ሃገርና ካብ ጁንታ፣ ክሕደትን ፅልእን ነፅሪ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ወፍሪ ፅሬት ተኻይዱ።

ኣብቲ ወፍሪ ፅርየት፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ተሳቲፎም።

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝበልኡ፥ ንሕና እውን ፅሬት ባህልና ብምግባር ዕለተ ፅርየት ከይተፀበና ኩሉ ጊዜ ኣብ ባዕልትናን ከተማናን ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ርስሓታትን ክፉኣት ኣተሓሳስባታትን ነፅሪ ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ብዙሓት ረስሓታት ብፍላይ ካብ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ካልኦት ተግባራትን ብምፅራይ ንናብራ ምቹውቲን ዑደተናታት ዝንቀሳቐሱላን ንክትከውን ኩሉ ሰብ ክረባረግብ ኣለዎ ኢለን።

እቲ ወፍሪ ፅሬት ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.