Fana: At a Speed of Life!

ኩሉ ናብ ወሎ ይትመም፤ ይዝመት ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ንምካት ኩሉ ወገን ንባዕሉ ብምውዳብን ብሓድነትን ብምልዓል ናብ ወሎ ክተምምን ክዘምትን ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘካየዶ ወራርን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ብዘይምቁራፅ ብዙሕ ወገን ቀቲሉ ኢዩ ህዝቢ ኣመዛቢሉ ኢዩ።

መንግስቲን ህዝቢን ዝሰርሑዎ መሰረተ ልምዓት ኣዕኒዩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ መጥቃዕቲ ምምካት ዝከኣል ንባዕልኻ ብምውዳብ ብሓድነት ብምልዓል ኢዩ ኢሎም።

ዕላማ መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ኢትዮጵያ ምፍራስን ምብራቕ ኣፍሪካ ምትርማስን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ቃልሲ ናይ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

መንግስቲ እቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ብዝገበሮ ፃውዒት ክተት፥ ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምግታእ ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።
ህዝቢ እቲ ክል ቅድም ክብል ዝሓዞ ቅዋም ብዝበለፀ ብምጥንኻርን ብምውዳብን ንኽዳሎ ዝሓተቱ ዶክተር ይልቃል፥ ዝተናወሐ ቃልሲ ስለዘሓትት ብፅንዓት ንኽቃለስ ኣተሓሳሲቦም ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.