Fana: At a Speed of Life!

ኩልና ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበልና ፓርቲታት ፖለቲካን ማሕበራትን ድሌት ህዝብታትና ዝኾኑ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ክነንግስ ይግባእ – ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበሉ ኮሎም ፓርቲታት ፖለቲካን ማሕበራትን ብሓባር ብምዃን ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ከንግሱ ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

መስራቲ ጉባኤ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ፥ “ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ ጉባኤ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ሓድነት ተጋሩ ጠንኪሩ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ንዝተልዓሉ ሓይልታት ክምክት ይግባእ ኢሎም።

ኣብዛ ሃገር ኣሃዳዊ ስርዓት ንምህናፅ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ንህዝቢ ትግራይ ንምስዃን ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ እውን ገሊፆመም።

“ኣብ ትግራይ ዘለው ፓለቲካዊ ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ናይ ፓለቲካ ኣፈላላይ ንድሕሪት ገዲፍና ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ሰብ ኮይና ክንቃለስ ይግባእ” ኢሎም።

ንህዝቢ ትግራይ ፈላልዮም ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሓደጋ ከብፅሑ ዝደልዮ ኣካላት ኣለው ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ፖለቲካ ትግራይ ዘሎ ኣፈላላይ ስልጡን ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ትግራይ ዝሓሸት መፈልፈሊት ሓሳብ ክትኸውን ኣለዋ ክብሉ ገሊፆም።

ሰላም ትግራይ ንምዝራግ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ፃዕሪ ከምዝግበር ብምግላፅ፥ እዚ ንኸይፍጠርን ትግራይ ሰላማ ዝተሓለወ ንምግባር ድማ ኩሉ ክቃለስ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን፥ ውድብ ህወሓትን መንግስትን ኣብ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ኣባል ብምዃን ዲሞክራታይዜሽንን ትራንስፎርሜሽንን እቲ ክልል ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መድረኽ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ካልኦት ነባራት ኣመራርሓ፣ ኣብቲ ፎረም ካብ ዝተጠርነፋ ሰለስተ ውድባት፣ 13 ማሕበራት፣ ብማዕረ ዝተወከሉ ጉባኤተኛታትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.