Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዓውዲ ፋይናንስ ብዲጂታል ንምሕጋዝ ዝዓለመ መድረኽ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዓውዲ ፋይናንስ ብዲጂታል ንምሕጋዝ ዝዓለመ መድረኽ የካይድ ኣሎ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ጀሚሩ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ሰሙን እናካየደ ፀኒሑ።

ትልሚ 2025 ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኢሉ እውን ዓውዲ ፋይናንስ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ እቲ ዲጂታል ሰሙን መኽአሊ ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ዝዘመነ ንኽኸውንን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ግልጋሎት ፋይናንስ ንኽህሉ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ ካብዚ ብተወሳኺ÷ መካተቲን ዘላቕነት ዘለዎ ስርዓት ፋይናስን ንምፍጣር ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ግንዛበ ከምዝፈጥር ተሓቢሩ።

ኩባንያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ዘሰናደኦ መድረኽ ትካላት ፋይናንስ ዓቕሚ ተበፃነት ብምድንፋዕ ቀለልቲ መገዲታት ክፍሊት ብምዕባይ፣ መካተቲን ግልፂን ዝኾነ ስርዓት ፋይናንስ ኣብ ምህናፅ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ጠገሊፁ።

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.