Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ዎዳ ሜታልስ ናብ ኢንደስትሪ ፓርክ ንኸዓቢ ስምምነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኩባንያ ዎዳ ሜታልስ ናብ ኢንደስትሪ ፓርክ ንኸዓቢ ዘኽእሎ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት÷ ኩባንያ ዎዳ ሜታልስ ኣብ ከተማ ሰበታ ሕዚ ዝርከበሉ 18 ነጥቢ 9 ሄክታር መሬት ትሕዝቶ ናብ 100 ሄክታር መፍረዪ ፓርክ ከምዘዕብዮ ካብ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብ ኢንዱስትሪታት ብረት፣ ኢንጂነሪንግ፣ ምፍራይ ኬብል፣ ኣብቶ ሞቲቭን ምፍራይ ጎማን ተቐቢሉ ከምዘተኣናግድ ተሓቢሩ፡፡

ን17 ሺሕን 500 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ዝተሓበረ እቲ ፓርክ÷ ንመስፋሕፍሒኡ 95 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ክዝግበር ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.