Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዓመት ጉዕዞ ለውጢ እነኽብሮ ብሓደ ገፅ ፈተናን ስግኣትን ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ቅድሜና ብርሃን ተስፋ እናተርኣየና ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካልኣይ ዓመት ጉዕዞ ለውጢ እነኽብሮ ብሓደ ገፅ ፈተናን ስግኣትን ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ቅድሜና ብርሃን ተስፋ እናተርኣየና ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ኣድሂቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝረኸበቶም ተስፋታት ንምጉላህ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት ድማ ንምስትኽኻል ፃዕሪ እናገበረት ኣብ ዘላትሉ ወሳኒ እዋን መላእ ዓለም ዘጨነቐ ቫይረስኮሮና ኣጋጢሙና ኣሎ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ኣስታት 200 ሃገራት ዝተባፅሐ እቲ ለበዳ ኣብ ኢትዮጵያ 29 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ “ቫይረስኮሮና ፅባሕ ክንደይ ዝኣኽሉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዘጥቃዕ እኳ ሐዚ ኮይንኻ እንተዘይተፈለጠ ብዝነኣሰ ጉድኣት ከምእንቆፃፀሮ ግን ሙሉእ እምነት ኣለኒ” ኢሎም።

“ኢትዮጵያ ብፈተንቲ ኩነታት እንትትሓልፍ እዚ ናይ መጀመሪያኣ ኣይኮነን፤ ናይ መወዳእታ እውን ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ መፈለምታ ዓመት ጉዕዞ ለውጢ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣጋጢሙ ዝነበረ እቲ ክልል ክሳብ ምግንፃል ዝበፅሕ ድልየት ዝነበሮ ኩነታት ኣዘኻኺሮም።

እቲ ሽዑ ኣጋጢሙ ዝነበረ መበገሲኡ ፃምእ ስልጣን ምዃኑ ብምግላፅ፥ ሰላም ጎረባብቲ ክልላት ካብ ምንጋዕ ሓሊፉ ቀርኒ ኣፍሪካ ክሳብ ምርባሽ ክበፅሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ዕላማ እቲ ለውጢ ብፍትሒ፣ ዴሞክራሲ፣ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፣ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ድሕንነትን ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ምፍጣር ብምዃኑ፥ ጉድኒ ንጎድኒ እቲ ዘጋጠመ ፈተና ብዝተፈፀሙ ተግባራት ሪፎርም እቲ ክፉእ ኣጋጣሚ ብምሕላፍ ኣብዚ በፂሕና ኣለና ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዕጡቓት ሓይሊታት ኣብ ወለጋን ካልኦት ክፍሊታት ምዕራብ ኦሮሚያን ባንኪታት ብምውራር፣ ሰብ ብምቕታል፣ ኣባይቲ ብምቅፃል፣ መገዲን ኣብያተ ትምህርቲን ብምዕፃው ህዝቢ ዘማርረሉ ዝነበረ ተግባር ካብ ጣብያታት ገፀር ሓሊፉ ኣብ ከተማታት ነቀምት፣ ጊምቢን ሻምቦን መሓዉር መንግስቲ ንምፍራስ ምንቅስቓስ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ጉዕዞ ለውጢ ነዚ ከምዚ ዝበለ ክፉእ እዋን ሓሊፉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣብ ምቅልጣፍን ካልኦት ሜጋ ፕሮጀክትታት ኣብ ምዝዛምን ይነጥፍ ከምዘሎ ድማ ዶክተር ኣቢይ ኣብሪሆም።

“ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጠንካራ ብፆትና ብግፍዒ ብምስኣንና፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍቱዋት ወታደራዊ መራሕቲ ብምቕታሎም ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ውጥረት ፈጢሩ ዝነበረ እዋን እውን ሓሊፉ” ብምባል፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓዊ ብዝተወለዐ ቁፅሪ ጥፍኣት ዝፈፀመ ኣካል ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብምፅራሕ በቢከባቢኡ በቢእዋኑ ሰባት እናተቐተሉ፣ መንደር ሙሉእ ብሓዊ ዝባረዐሉ ዝነበረ እዋን እውን ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

እቲ ኩነታት “ኢትዮጵያ ክትበታተን ትኽእል ኢያ” ዝብል ስግኣት ኣብ ዜጋታት ንክፍጠር ዘኽኣለ ክእዋን ጭንቂ” ኢዩ ነይሩ፤ ካብዚ ሓሊፉ ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ብዝገበርዎ መደረ/ዘረባ ህይወት ኣሓትናን ኣሕዋትናት ዝሰኣንናሉ፣ ብዓፀበቀለለ ልዕልነት ሕጊ ዘብቀዐሉን “ኢትዮጵያ ኣኺሉዋ” ዝተብሃለ ክሳብ ዝመስል ተደጋጋሚ ስጉምቲታት ጥፍኣት ዝተኻየደሉ እዋን እውን ሓሊፉ ናብ ዝሓሸ ሰላም በፂሕና ኣለና ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፈተናታት ካብ ምሕላፍ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ተግባራት ሪፎርም ንምፍፃም ምንቅስቓስ ዝተገበረሉ እዋን ከምዝነበረ ድማ ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር ዝተኻየደ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ መሬት ንክረግፅ፣ ንግዲ ንምስላጥ ዘኽእል ምምሕያሽ “ዱይንግ ቢዝነስ” ብቕልጡፍ ንክትግበር፣ ምስ ትካላት ንግዲ ዓለም ውፅኢታዊ ድርድር ንምክያድ፣ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክድግፉ ዝኽእሉ ውፅኢታዊ ስምምዕነታት ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ልቓሕን ሓገዝን ንምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ዘለናሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጥሙ ጎንፂታት ንምምካን ዘኽእል ዓቕሚ ዝተፈጠረሉ፣ ጎንፂ ዝፈጥሩ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝውዕልሉ ኩነታት ምፍጣር ዝተኽኣለሉን ዩንቨርስቲታት እወንታዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝኸኣላሉን ኣጋጣሚ ዝተፈጠረሉ እዋን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሃገራዊ ምርጫ፣ ምዕባለ ኢትዮጵያን ብቐፃሊ ብዛዕባ እትፍጠር ጠንካራ ኢትዮጵያን ምሕሳብ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ምግጣሙ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር እቲ ፀገም ህዝቢ ብምትሕብባር ብሓድነት ከምዝስገር ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ “ሃገራዊ ለጥጢ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምትካል ዝተጀመረ ቃልሲ ብግዚያዊ ፈተና ደው ከይበለ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብቲ ዝተጀመረ ሃገራዊ ሪፎርም ክንምለስ ኢና” ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ኢትዮጵያ ልዕሊ ፈተና ምዃና ኣብ ምርግጋፅ ናይ ኩሉ ሰብ ርብርብ ከምዝሓትት እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.