Fana: At a Speed of Life!

ካብ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ፥ ክልልናን ሃገርናን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ምዕራፍ ሽግግር ለውጢ ብዘተኣማምን ኩነታት መሬት ንምትሓዝ እናሰርሐ የርከብ ክብል ገሊፁ።

ይኹን እንበር ነቲ ለውጢ ዝተቓወሙ ሓይሊታት ብሙሉእ ዓቕሞም ንተግባር ጥፍኣትን ዕንወትን የውዕሉ ኣለዉ ኢሉ።

ተለኣኣኺ ጁንታ ህወሓት ዝኾነ ኦነግ ሸኔ፥ መሓዉር መንግስቲ ብሓይሊ ንምዕናው ሰንሰለት ጥፍኣት በቢብርኩ ብምውዳብ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ገፀርን ከተማን ዝርከቡ ሰብ መዚን ዜጋታትን ዝቕንፅል ጉጅለ ብምውፋር ብዙሓት መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲ ከምዘብፀሐን ኣብ ናውቲታት መነግስቲን ዜጋታትን እውን ዕንወት ከምዘብፀሐን ገሊፁ።

መነግስቲ ምስ ሕብረተሰብ ብምዃን ብዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ዝተዳኸመ እኳ እንተኾነ፥ ብስምዒት ምቑረፅ ተስፋ ኣብ ለዕሊ ሰለማዊ ዜጋታት ዝወስዶ መጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲ ሐዚ እውን ከምዝቐፀለ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ትማሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ባቦ ጋምቤል ቀበሌ ቦኔ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ብምፍፃም ንግዚኡ ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈለጡ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣብሪሁ።

ብምኽኒያት እቲ ኣሰቃቒ መጥቃዕቲ ህይወቶም ብዝሰኣኑ ዜጋታት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ኣብ ለዕሊ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ኣካል በዝተወሰደ ስጉምቲ ዝተወሰኑ ከምዝተደምሰሱ እውን ኣፍሊጡ።

ሀዝቢ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ተወዲቡ ትልሚ እቲ ጥፍኣት ንክምክት ድማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.