Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 25 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ዘምፅኡ ለኣኽቲ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ በጀት ዓመት 2014 ካብ ወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 25 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ዘምፅኡ ለኣኽቲ ኣፍልጦ ሂቡዎም።

መዓልቲ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ “በዓል ፍሉይ ጣዕሚ ዝኾነ ፍርያት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ፓናል ዘተን መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦን ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣብ ወፃኢ ንግዲ ዝተዋፈሩ ትካላት ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ፥ ካብ ወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 25 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ዘምፅኡ ለኣኽቲ ኣፍልጦን ምስክር ወረቐትን ተበርኪቱሎም።

እቲ ዝተውሃበ ኣፍልጦ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ወፃኢ ንግዲ ዕዙዝ ተሳትፎ ንኽገብሩ ንምብርትታዕ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ንግዲ 4 ነጥቢ 12 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.