Fana: At a Speed of Life!

ክቡር ኣሊምና ፈቂህ ሐጅ ሙሐመድ አልሳፊ ዓሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ክቡር ኣሊምና ፈቂህ ሐጅ ሙሐመድ አልሳፊ ዓሪፎም።

ሸኽ ሙሐመድ ኣልሳፊ ምስ ሐጅ ሙሐመድ ሳኒ ሀቢብ ብምዃን ቅድሚ 40 ዓመት መጅሊስ ዘጣየሹን ናይ ላዕዋይ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብምዃን ዘገልገሉን ኢዮም።

ሼኽ መሐመድ ዕድመኦም ንትምህርኢ ምስበፅሐ ሃይማኖታዊ ፍልጠታት፥ ፊቅህ ፣ ነህው ፣ ሶርፍ ፣ በለጋ ፣ መንጢቅን ተውሂድን ተማሂሮም ኢዮም።

ሼኽ መሐመድ ኣልሳፊ ኣብ ዝደረስወም መፅሓፍቲ፥  “ከሽፉ ስትሪል መስዱል ፊታሪሂ አል ‘ ሐበሸቲ ቢመሰሀ ሚነንቁል” ፣  “ኣል አምበረቱል ሐበሽያህ ፊ ሲረቲ ነበውያህ” ፣ “ቢሪቅየቱል መሲራት ፊ ኡሱሊ ሰዋቢል ቁርቢ ኢለል አምዋት” ዝብሉ መፃሕፍቲ ይርከብዎም።

ሼህ መሐመድ ኣሳፊ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን እንትኾን ብዝሓደሮም ሕማም ክትትል ሕክምና እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.