Fana: At a Speed of Life!

ክታበት መከላኸሊ ኩፍኝ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ክታበት መከላኸሊ ኩፍኝ ምሃብ ተጀሚሩ።

እቲ ክታበት ኣብ ክልል ዓፋር ዘጀመሩ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ያሲን ሃቢብ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ክታበት ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ጣያታት ጥዕና ግዚያዊ ጣቢያታት መዕዘቖቢ ክካየድ ኢዩ፡፡

ልዕሊ 400 ኣብ ዝኾና ጣቢያታት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 14 ጉንበት ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝወሃብ ገሊፆም፡፡

እቲ ክታበት ካብ 6 ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ንዘለዎም ልዕሊ 200 ሺሕ ህፃናት ተበፃሒ ከምዝኸውን ብምግላፅ መናእሰይ ደቆም ንኸኽትቡ ፀዊዖም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 17 ግንቦት 2014 ዓ.ም ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ኩፍኝ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ወፍሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ግደኦም ንኽዋፅኡ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

በመሀመድ አሊ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.