Fana: At a Speed of Life!

ክትባት ፖሊዮ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ክልል ደቡብ ክወሃብ ኢዩ

አዲስ አበባ፣ ታህሳስ 7፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ክትባት ፖሊዮ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ክልል ደቡብ ክወሃብ ኢዩ።

ሕማም ፖሊዮ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣሩሲ፣ ወረዳ ሲራሮ ስለ ዝተርኣየ፥ ጎረባባብቲ እታ ወረዳ ኣብ ዝኾና ሓሙሽተ ዞባታት ክልል ደቡብ ዘለዋ 12 ወረዳታት ካብ ዕለተ ዓርቢ 10 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ክትባት ክወሃብ ኢዩ።

እቲ ክታበት ትሕቲ 5 ዕድመ ንዝኾኑ ህፃናት ዝወሃብ እንትኸውን፥ ብመልክዕ ወፍሪ ክታበት ንምግባር ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ቀዳማይ ዙር ጥራሕ 176 ሺሕ ህፃናት እቲ ክታበት ክወስዱ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.