Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ምስ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ፈረንሳይን ኣብ ኬኒያ ሓላፊ ኢንተርፖልን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ፈረንሳይን ሓላፊ ቢሮ ምትሕብባር ዲሲ ኣይ ኤስ ጂን ክሪስቶፍ ሂላሪን ኣብ ኬኒያ ሓላፊ ኢንተርፖል ጌዲዮን ኪሚሉንን ተዛቲዮም።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ኢንተርፖል፣ ሮክና ሲቪ ፖል ብምትሕብባር ድንመበር ተሳጋሪ ገበናት ንምክልኃልን ንምቁፅፃርንከምኡ እውን ኣብ ተግበራ ገበን ተደለይቲ ኣካላት ናብ ፍትሒ ንምቕራብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተጀመሩ ሓበራዊ ወፍሪታትን ስራሕቲ ምርመራን ኣጠናኺሩ ናይ ምቕፃል ስራሕ ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም፡፡

ጂን ክሪስቶፍ ሂላሪ ምስ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝተሰርሑ ወፍሪታት ውፅኢታዊ ስለዝኾ ኣብ ቀፃሊ እቲ ርክብ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ጌዲዮን ኪሚሉ ብግደኦም ኢትዮጵያን ምብራቕ ኣፍሪካን ካብ ገበን ነፃ ዞባ ንምግባ ኣብ ግቡእ ንዝተዋፈሩ መኮንናት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ንኣባላት ዲጅታል ፖሊስ መራኸቢ ሬዲዮን ምስጋና ምቕራቦም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.