Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሊሽ ፌዴራል በዒድ ኣል ፈጥር ብዘይ ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ፌዴራል ብምውዳድ በዒድ ኣል ፈጥር ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መላእ ሀገር ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ ፌዴራል ምስ ኣካላት ፀፅታ ክልላት ብምውዳድ እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ምድላው ከምዝገበረ ኢዩ ገሊፁ ዘሎ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፥ በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፥ በዓል ዒድ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ሕድሕዳዊ ርክቦም ብዝበለፀ ዘጠናኽሉ፣ መንፈሳዊ እምነቶም ዘደንፍዑሉ፣ ምስ ካልኦት እምነታት ተኸተልቲ ተኸኣኢሎምን ተኸባቢሮምን ብሓባር ምንባሮም ንዓለም ዘርእዩሉ ዓቢዪ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ዓቢዪ በዓል ብሰላም ንኽዛዝም፥ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ሰላም ድሕንነትን ህዝቢታት ንምኽባር ብዙሓት ስራሕቲ ፀፅታ እናሳለጠ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.