Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮንሶ ብመሰረት መሊሱ ዝተወለዐ ጎንፂ ካብ 1 ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን 66 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮንሶ ብመሰረት መሊሱ ዝተወለዐ ጎንፂ ካብ 1 ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን 66 ሰባት ከምዝተቐተሉ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ክልል ደቡብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

ንዓመታት ዝተሃነፁ ጣቢያታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዉ እውን እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፥ 39 ሰባት ምቑሳሎምን 132 ሺሕን 142 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ሓቢሩ።

ካብ 12 ክሳብ 16 ሕዳር 2013 ዓ.ም ክትትል ዝገብሩ ኣባላት ጉጅለ ብምጥያሽ ናብቲ ከባቢ ከምዝለኣኸ ብምሕባር፥ እቲ ክትትል ዝገበረ ጉጅለ ኣብ ጣቢያታት ሃይበናን ኣይዴን ከምኡውን ከተማታት ኣርባምንጭ፣ ጊዶሌን ካራትን ግዳያትን ቤተሰቦምን፣ መሰኻኽርን ካልኦት ኣካላት መነገስቲን ከምዘዘራረቡ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ብዙሓት ሰባት ብጭካነን ዘግናኒ ብዝኾነ ተግባርን ከምዝተቐተሉ፣ ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ከምኡውን ብዙሓት ኣባይቲ፣ እኽሊ፣ ንብረትን ከባቢታት ሕርሻን ሙሉእ ንሙሉእን ብኽፋልን ብሓዊ ከምዝዓነዉ ኣረዲኦም።

ካብቲ መጥቃዕቲ ክሃድሙ ዘይከኣሉ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ መንበሪኦም ብምቅፃል ከምዝሞቱ ከምዝተረድኡ እውን ሓቢሮም።

ብምኽኒያት እቲ ጎንፂ ንዝተመዛበሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዕቝቦም ዘለዉን ዜጋታት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ግዘ ክወስድ ከምዘይብሉ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

እቲ ጥቕዓት ዝበፅሐ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮንሱ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ነቲ ከባቢ ለቒቑ ምውፅኡ ስዒቡ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.