Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉሙሩክ ሰራሕተኛታት እቲ ጉምሩክን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ኣብ ቁፅፀር ኣውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉሙሩክ ምስ ፖሊስ ፌዴራል ብምትሕብባር ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዝተገበረ ወፍሪ ናውቲ ኮንትሮባንድ፣ ኣዘዋወርቲን ተሓባበርቲን ኣብ ቁፅፀር ከምዘውዓሉ ኣፍሊጦም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉሙሩክ ኣይተ ደበሌ ቀበታ ናውቲ ኮንትሮባንድ፣ ኣዘዋወርቲን ተሓባበርቲን 23 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ቁፅፀር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ  ብር 6 ሚሊየንን 196 ሺሕን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣጭራቕቲ፣ ክሬም ገፅ ምስ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል፣ ቀንዲ ኣዘዋዋሪን እቲ ናውቲ ኮንትሮባንድ ዘጎዓዕዝ ዝነበረ ገናሒ መኪናን ተታሒዞም።

ብተወሳኺ ሓደ ሰራሕተኛ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ጉምሩክ ኣዋሽ፣ ኣዛዚ ፖሊስ መተሃራ ብድምሩ ሸውዓተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ።

ብመልክዕ ጉቦ ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ 200 ሺሕ ብር እውን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.