Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ንውፅኢታውነት መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ሲቪክ ማሕበራት ግደኦም ንክዋፅኡ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ንውፅኢታውነት መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት  ሲቪክ ማሕበራት ግደኦም ንክዋፅኡ ሓቲቱ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ብዛዕባ እቲ መሪሕ ትለሚ ዝዛተ ዘሎ እነትኸውን፥ ኮሚሽነር ኮሚሽን እቲ ፕላን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ መበገሲ፣ ባህሪን እቲ ትልሚ ንምዕዋት ዘኽእሉ ዓቕሚታትን ዝምልከቱ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕሪቦም።

እቲ ትልሚ መሰረታዊ ባህጊታት ህዝቢ ምምላስ ብዘኽእል በርኪ ከምዝተሰናድአ ተዛሪቦም።

እቲ መሪሕ ትልሚ ተግባራዊ እንትግበር፥ ዝሕቱል ለውጢ ኢኮኖሚ፣ ንፅዕንቶ ዝተቓልዐ ኢኮኖሚ፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ከምዕንቅፋት ተገሊፆም።

ኣብ ፅሬት እቲ ትልሚ ዘለዉ ምዕባለ ኢኮኖሚ፣  ናይ ሓባር “ብልፅግናን” ኣብ ብርኪ ለውጢ ጠንካራ ትካላት መህናፅ ኣብ ትኹረት ኣንፈት ምቕማጦም እውን ተሓቢሩ።

ተወከልቲ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት፥ እቲ ትልሚ ንሳቶም ሒዘምዎ ንዝንቀሳቐሱ ዕላማ ዝድግፍ ብምዃኑ ንተፈፃምነቱ ከመዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ብሃይለየሱስ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.