Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንበዓላት ዓርቢ ስቕለጥን ፋሲካን ትልሚ ፀፅታ ኣውፂኡ ናብ ተግባር ምእታዉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓላት ዓርቢ ስቕለጥን ፋሲካን ምኽንያት ብምግባር እዋኑ ዘገናዘበ ትልሚ ፀፅታ ኣውፂኡ ናብ ተግባር ከምዘኣተወ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ድሮ በዓላት ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ ወሲኹ ዝረአ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሸከርከርቲን ስዑቡ ሓደጋ ትራፊክን ገበንን ከይፍፀም ካብ ልሙድ ኩነታት ዝተፈለየ ምድላው ብምግባር ስራሕቲ ፀፅታ ከምዝሰርሕ  ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ፥ እቶም በዓላት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበሩን ቦታታት ዕድጊትን ትካላት እምነትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ገበናት ከይፍፀሙ፤ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ዘገናዘበ ትልሚ ብምውፃእ ንኣመራርሓታትን ኣባላቱን ግንዛበ ብምሃብ ናብ ተግባር ከምዘኣተወ ገሊፆም፡፡

ንፖሊሳዊ ኣገልግሎታት ይኹን ሓበሬታ ንመሃብ ብናፃ መስመር ስልኪ 991 ከምኡ እውን ብቁጥሪ ስልኪ 011-1- 11-01-11 ምጥቃም ከምዝከኣል ዝገለፁ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ፥ ሕብረተሰብ በዓል ንምኽባር ምስ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ተተሓሒዙ ገበን ዝፍፅሙ ውልቀ ሰባት እውን ኣጋጣሚ ብምጥቃም ተመሳሲሎም ስለዝንቀሳቐሱ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ምግባር ይግባእ ኢሎም፡፡

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንመላእ ተኸተልቲ እቲ እምነት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ብምባል፤ እቲ በዓል ናይ ሰላምን ሓጎስን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ምግላፁ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.