Fana: At a Speed of Life!

ኮንትሮባንድ ኣታዊን ወፃኢን ኣብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንትሮባንድ ኣታዊን ወፃኢን ኣብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኮሚሽነር ጉምሩክ ደበሌ ቃበታ ገሊፆም።

ኮሚሽን ጉምሩክ ብዝሰልጠነን ብቑዕ ሓይሊን ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ንምክልኻል ብምሕሳብ ኣብ ዝሓለፉ 100 መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉምሩካዊ ስነ ሰርዓታትን ወተሃደራዊ ሳይንስን ዘሰልጠኖም 987 ተቖፃፀርቲ ኬላ ሎሚ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፥ኮሚሽን ጉምሩክ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ሪፎርም ካብ ዝገበሮም ትካላት ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ሪፎርም ኣብዚ ሐዚ እዋን ውፅኢታዊ ተግባራዊ የግበር ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ተመረቕቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ አትረኽቦ ኣታዊ ከብ ንክብልን ገበነኛታት ኣብ ምክልኻልን ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣይተ ደበሌ ቃበታ ብግደኦም፥ ኮንትሮባንድ ኣታዊን ወፃኢን ኣብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ብጎህ ንጉሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.