Fana: At a Speed of Life!

ኮንግረስ ኣትሌቲክስ ሪጅን ምብራቕ ኣፍሪካ መረፃ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኮንግረስ ኣትሌቲክስ ሪጅን ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ ሪጅን ዝመርሑ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ተመሪፆም፡፡

ብመሰረት እዚ÷ ጄነራል ጃክሰን ቲዊ ካብ ኬንያ ፕሬዚዳንት ብምዃን እንትምረፁ÷ ሚስተር ዶሚኒክ ኡትሲት ካብ ዩጋንዳ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምዃን ተመሪፆም፡፡

ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ካብ ኢትዮጵያ ምክትል ፕሬዚዳንትን ኣባል ካውንስል ኮንፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካን ብምዃን ተመሪፃ፡፡

ዶክተር ኢንጂነር ሲዲቅ ኢብራሂም ድማ ዋና ፀሓፊን ዓቃቢ ንዋይን ኣትሌቲክስ ሪጅን ምብራቕ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ዲሁም ኣባል ካውንስል ኮንፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ብምዃን ከምዝተመረፁ ካብቲ ፌደሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.