Fana: At a Speed of Life!

ኮኾባት ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ብሕልፈት ፔሌ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮኾባት ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ብሕልፈት ብራዚላዊ ኮኸብ ፃዋታይ ፔሌ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለፁ ይርከቡ።

ነበር ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ሮናልዶ ሉዊስ ናዛሪዮ ዴሊማን ሮናልዲንሆ ጎቾን ብሕልፈት እቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እንግሊዛዊ ጋሪ ሊንከርን ሓዊሱ ነበር ተፃወትቲ  እውን ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ኮኸብነቱ ኣወዲሶም።

ሊንከር÷ “መለኮታዊ ተፃዋቲ ኩዕሾ እግሪ ዓሪፉ፤ ውሑዳት ኣብ ዝምረፁሉ ኩዕሾ እግሪ 3 ግዘ ፅዋዕ ዓለም ዝዓተረ ፔሌ ብኣካል ይፈለየና እምበር ዘለኣለም ህያው ኢዩ” ኢሉ።

ብራዚላዊ ኮኸብ ኔይማር ብግድኡ÷ “ኩዕሾ እግሪ ፀወታ ጥራሕ ነይሩ፤ ምስጋና ነቲ ንጉስ ይብፃሕ ኩዕሾ እግሪ ጥበብ ብምግባር ደረጅኡ ክብ ክብል ገይሩዎ ኢዩ” ብምባል ስምዒቱ ገሊፁ።

ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ÷ “ድሕሪ ናትካ ጥበብ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ምፍጣር ክንደይ ዘኣክል ትዕድልቲ ኢዩ፤ ጥበብ ፀወታኻ ንሕድሕድ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ክኽቕፅል ኢዩ” ብምባል ገሊፁዎ።

ፖርቹጋላዊ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ድማ÷ ብሕልፈት ፔሌ ኩዕሾ እግሪ ሓዚና፤ ፔሌ ንሚሊየናት ተፃወትቲ ተበግሶ ምኽንያት ከምዝነበረ ኣብ ኢንስታግራም ገፁ መልእክቲ ኣመሓላሊፉ።

ኪሊያን ምባፔ ብተመሳሳሊ ብሕልፈት ፔሌ ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለፀ እንትኸውን÷ ንጉስ ኩዕሾ እግሪ ሓደዲጉና ይኺድ እምበር ህያው ስራሕቱ ግን ሓቢሮምና ክነብሩ ኢዮም” ኢሉ፡፡

ብብርኪ ጋንታ ድማ÷ ጋንታታት ሪያል ማድሪድ፣ ሊቨርፑል፣ ባርሴሎና፣ ማንቼስተር ዩናይትድ ብሕልፈት እቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን፡፡

ካብ ቤተ ሰብ ኩዕሾ እግሪ ብተወሳኺ÷ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ፣ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ፕሬዚዳንት ኣርጀንቲና ኣልቤርቶ ፈርናንዴዝ፣ ፕሬዚዳንት ሜክሲኮን መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን ሓዘኖም ገሊፆም፡፡

ኤድሰን ኣራንቴስ ዶ ናሲሚንቶ ብዝብል ሙሉእ ሽሙ ወይ እውን ፔሌ ብዝብል ኣብ ኩዕሾ እግሪ ሽሙ ዝገነነ ኮኸብ ተፃዋታይ ፔሌ÷ ብብርኪ ጋንታ  ኣብ ናይ ሃገሩ ጋንታ ሳሰንቶስ ኣዚዩ ዕውት ግዘ ከሕልፍ ክኢሉ።

ኣብ ፅዋዕ ዓለም ድማ ሃገሩ ብራዚል ሰለስተ ግዘ ተዓዋቲት ክገብራ ክኢሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.