Fana: At a Speed of Life!

ወረዳ ኣስገደ ማእኸሉ ከተማ ማይ ሓንሰ ንክኸውን ብሙሁራት ዝተፀንዐ መፅናዕቲ ክትግበር ይግባእ – ነበርቲ ከተማ ማይ ሓንሰን ከባቢኣን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማእኸል ወረዳ ኣስገደ ከተማ ማይ ሓንሰ ንክኸውን ብሙሁራት ዝተፀንዐ መፅናዕቲ ክትግበር ከምዘይከኣለ ነበርቲ ከተማ ማይ ሓንሰን ከባቢኣን መረረቶም ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ ሕቶና ይመለሰልና ብዝብል መስመር መገዲ ሽረ – ደደቢት – ወልቃይት ብምዕፃው ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ከምዝገለፁዎ፥ ከተማ ማይ ሓንሰ ማእኸል ወረዳ ኣስገደ ንኽትከውን ብፅንዓት ተወሲኑ እናሃለወ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኩነታት ክሳድ ገባ ማእኸል እታ ወረዳ ክትከውን ተገይሩ ኢዩ።

መገዲ ምዕፃው ኣግባብ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ነበርቲ፥ እቲ ውሳነ ሃነደበታዊ ምዃኑን ብሕርቃን ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነን ኣብረሆም።

ቤት ምኽሪ እታ ወረዳ ብግድኡ ንማእኸል ወረዳ ካብ ዝተወዳደራ ኣርባዕተ ዝለዓለ ቁፅሪ ዝረኸበት ከተማ ክሳድ ገባ ምዃና ገሊፁ።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣስገደ ኣይተ ሃፍቶም ኣብራሃ፥ ጉዳይ ማእኸል ከተማ ምግባር ናይ ዝኾነ ኣመራርሓ ውሳነ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

መማእኸሊ ከተማ ኣብ ዝተገበረ ውድድር 103 ሰባት ኣብቲ መረፃ ተከምዝተሳተፉ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ፥ 30 ክሳድ ገባ፣ 26 ዕዳጋ ሕብረት፣ 25 ማይ ሓንሰ ከምኡ እውን 20 ከተማ ሕፃፅ ትኹነልና ዝብል ድምፂ ከምዝተውሃበን እውን ኣብሪሆም።

ዘለዉ ሕቶታት ብሰላማዊ መገዲ ምሕታት መሰል ህዝቢ ምዃኑ እናፈለጠ፤ መገዲ ምዕፃው ኣግባብ ከምዘይኮነ እውን እቶም ሓላፊ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ክልል ትግራይ ሕቶታትና ይመለሱልና ዝብሉ ሰላማዊ ሰልፊታት ከምዝተኻየዱ እውን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣካላት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም ኢዮም።

ኣብቶም ዝተሳለጡ ሰልፊታት፥ ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣወዳድባ ወረዳ፣ መሰረተ ልምዓትን ስእነት ዕድል ስራሕን ዝኣምሰሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ከምዘለዉዎም ተሪቦም።

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ እምነሰረት ዋላ ይቀመጥ እምበር ክሳብ ሕዚ ናብ ህንፀት ከምዘይተኣተወ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ድማ ንህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ዝውዕል ብር 20 ሚሊየን ንቢሮ ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን እቲ ክልል ኣታዊ ተገይሩ ኢዩ።

ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ከልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ይኹን ንዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ንኽህበና ናብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንገስትን እቲ ክልል ብተደጋጋሚ ፈቲንና ምላሽ ክንረክብ ኣይከኣልናን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.