Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ትካል ሰብኣዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ትካል ሰብኣዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲየን።

ኣብ እዋን እቲ መድረኽ ዘተ ዳይሬክተር ዋና ቤት ዕዮ ሰብኣዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታትሬና ገላኒ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓባባሪን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ድጋፍን ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ካትሪን ሶዚ ከምኡውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም።

ሚኒስትሯ በሰሜናዊ የኢትዮጵያ ክፍል በተካሄደው የህግ ማስከበር ሂደት እንዲሁም ከወታደራዊ ህግ የማስከበር ሂደት ቀድሞ ሰላምን በሰለጠነ መልኩ በውይይት ለማምጣት ስለተሄደው ረጅም ርቀት ሰፊ ገለጻ አድርገዋል።

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ንፁሃን ንኸይደጉድኡን መሰረተ ልምዓታት ንከይፈርስን ልዑል ጥንቃቐ ዝተመልኦ ወፍሪ ከምዝተኻየደ ኣረዲአን።

ሬና ገላኒ ብግደኦም፥ ብዛዕባ ዝተገበረሎም መብርሂ ብምምስጋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝበፅሕ ሓደጋ ንምቕናስ ዝገበሮ ፃዕሪ ንኢዶም።

በቲ ትካል ዝወሃቡ ደገፋትን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ ተግባራትን ምስ መንግስቲ ብመሰረት ዝተገበረ ክልቲኣዊ ስምምዕነት ኣጠናኺርካ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.