Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይመን።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ፌዴራል ኣብ ዝተውሃበ ሹመት፥ ሚኒስትር ማዕድንን ነዳዲን ንክኾኑ ምሿሞም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ህፁፅ ጉባኤ፥ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንክኾና ተሸይመን።

ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ብምዃን መጋቢት 2012 ዓ.ም ዝተሾማ እንትኾና፥ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ቤት ዕዮ እናገልገላ ምፅንሐን ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ህፁፅ ጉባኤ፥ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ክላስተር ብምዃን ተሸይሞም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.