Fana: At a Speed of Life!

ዋና መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዝነበሮም ኣባላት ሰራዊት ዕቤት መኣርግ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዝነበሮምን እዋናዊ ፃንሒቶም ንዝሸፈኑ ኣባላት ሰራዊት ዕቤት መኣርግ ሂቡ።

ዳይሬክተር ኣመራርሓ ስራሕ ፋይናንስ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ምክልኻልን ተወካሊ እቲ ዋና መምርሒን ብርጋዴር ጄኔራል ደረጀ መገርሳ፥ መንግስቲ መተሓዳደሪ ደምቢ እቲ ሰራዊት መሰረት ብምግባር መሰል ሰራዊት ንምኽባር ትኁረት ብመሃብ ብዝተፈለየ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሓላፊ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ስማቸው አናጋው ብግደኦም፥ ንዕቤት መዓርግ ዝበቕዑ ኣባላት ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተሳቲፎም ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ኣባላት ብፍሉይ ኩነታትን ፃንሒቶም ዝሸፈኑን ኣባላት ኢዮም ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ካብ ምክትል ሓለቓ ዓሰርተ ክሳብ ሙሉእ ኮሎኔል ብሓፈሻ 150 ኣባላት እቲ ዋና መምርሒ ብዝምልከቶ ኣካል ፀዲቑ ንዕቤት መዓርግ ክበቕዑ ከምዝተገበረ ምግላፆም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.