Fana: At a Speed of Life!

ዋና መራሒ ጥፍኣት እቲ ጁንታ ስብሓት ነጋ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስትራቴጂስት ጥፍኣትን ዋና መራሒ እቲ ጁንታን ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፁ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ሰትራተጂ ምትርማስ ዝመርሐን ስትራቴጂ ዝሓንፀፀን ዘተሓባበረን ዝወደበ ኣብ መወዳእታ ድማ ኲናት ንክውላዕ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣዝዩ ዘግናኒ ኲናት ብምኽፋት እቲ ሰራዊት ንክጭፍጨፍ ዝገበረ መራሒ እቲ ጁንታ ስብሓት ነጋ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ሓላፊ መምርሒ ምውፋር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብርጋዴል ጀነራል ተስፋዬ አያሌው ንግዜኢ ገሊፆም።

ስብሓት ነጋ ካብ ዝተሓብአሉ ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣፀጋሚ ዝኾነ መንቀርቅሮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ብሓባር ብዝገበርዎ ተፍቲሽን ዳህሳስን ኢዩ ተታሒዙ።

ብተወሳኺ ካብ መከላኸሊ ሃገር ዝኸሓዱ ኣበራርሓ እቲ ጁንታ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

እቶም ኣመራርሓታት ጁንታ ንምክልኻል ዓሊሞም ኣብቲ ከባቢ ሓለዋ ዝገብሩ ዝነበሩ ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ጁንታ እውን ከምዝተደምሰሱ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ናይ ጥፍኣት ስትራታቴጂስት ዋና መራሒ ስብሃት ነጋ
  2. ሌተናል ኮሎኔል ፃዕዱ ሪች ነበር በዓልቲ ገዝኡ ስብሃት ነጋ ኣብ ጦር ሃይሎች ሓኪም ዝነበረት ፣ደሓር ብጡረታ ዝተሰናበተት
  3. ኮሎኔል ክንፈ ታደሰ- ካብ መከላኸሊ ዝኸድዐ
  4. ኮሎኔል የማነ ካሕሳይ- ካብ መከላኸሊ ዝኸድዐ
  5. ኣስገደ ገ/ ክርስቶስ- ካብ ማእኸል ዓዲ ናብቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝተሓወሰ
  6. ወ/ሮ ኣልጋነሽ መለስ ነበር በዓልቲ ቤት ሜጀር ጀነራል ሓየሎም አርኣያን ናብርኣ ኣሜሪካ ዝነበረ እንትኸውን ደሓር ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ናብቲ ጅንታ ተሓዊሳ ብምፅናሕ ኣብ ከይዲ ኦፕሬሸን ክተምልጥ ናብ ገደል ፀዲፋ ከምዝሞት ብርጋዴል ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.