Fana: At a Speed of Life!

ውሕስና ምግቢ ዜጋታት ንምርግጋፅ ሓገዝ መሓዙት ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ መንግስቲ ጃፓን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሎም ጉዳያት ጠሚቶም ምስ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ሂሮ ሺባታ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ልምዓት ፍርያት ሩዝ፣ ዕምበባ፣ ኣትክልቲን ፍረምረን ከምኡ እውን ኣብ ልምዓት ቡን ምስ መንግስቲ ጃፓን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዝተረኸበ ዓወት ብምብራሕ እዚ ውፅኢት ብፍርያት ሩዝ ንምድጋም ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ክልል ሶማሌ 3 ሺሕ ሄክታር መሬት ንፈለማ እዋን ብመስኖ ሩዝ ንምፍራይ ከምዝተሓሰበ ኣብሪሆም፡፡

ልምዓት መስኖ ሩዝ ንምስፋሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ጃፓን ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ምሕታቶም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.