Fana: At a Speed of Life!

ውሳነታት ራብዓይ ቤት ምኽሪ ሚነሲትራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኅሪ ሚኒትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ብቀዳምነት ዝተዛተየ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ኢዩ፡፡

ስራሕ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ብዝተዋደደን ብዝተናበበን ኩነታት ንምስላጥ ንብዙሓት ተበፃሒ ዝገብርን እዋናዊ ኩነታት ብዘማእኸለ መገዲ ትኽክለኛ ሓበሬታ ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምብፃሕ ዘኽእል ስርዓት ምዝርጋሕ ስለዘድለየ ከምኡ እውን ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ ልምዓትን መካተቲ ከይዲ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ብብቕዓት ንምስታፍን ንሓዱሽ ጉዕዞ ምዕራፍ፣ ንዕዉት ሃገራዊ ለውጢታትን ምዕባለን ግቡእ ግደ ምፅዋት ንኽኽእሉ ዝሕግዝ ስርዓት ምዝርጋሕ ስለዘድለየ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን እቲ ኣገልግሎት ዝውስን ረቂቕ ደምቢ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኅሪ ብግድኡ ኣብቲ ረቂቕ ደምቢ ብስፍሓት ተዛቲዩ ካብ ሎሚ መዓልቲ 12 ጥሪ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ፡፡

  1. እቲ ቤት ምኽሪ ብካልኣይ ደረጃ ዝተዛተየሉ ዛዕባ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ትራንስፖርት መገዲ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ዝተዛተየ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽፀድቕ ንኽመሓላለፍ ወሲኑ፡፡

  1. መድሕን ፈንድን ኣገልግሎት ድሕንነት መገዲን ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ድመቢ ድማ ካሊእ እቲ ቤት ምኽ ዝተዛተየሉ ዛዕባ ኢዩ፡፡

ብመሰረታዊነት ፀገም እቲ ዓውዲ ንምፍታሕ ከምዘኽእል ዝተኣመነሉ እቲ ረቂቕ ደምቢ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ ምይይጥ ዝተገበረሉ እንትኸውን፥ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ።

  1. ቀፂሉ እቲ ኔት ምኽሪ ዝተዛተየሉ ዛዕባ ኣብ ረቂቕ ደምቢ ፍቓድ መረጋገፂ ብቕዓት ኣሽከርከርቲ ኢዩ።

ዝተሳለጠን ድሕንነቱ ዝተረጋገፀን ትራንስፖርት መገዲ ንኽህሉ ወሳኒ ካብዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ብቕዓት ምሽክርካር ኣሽከርከርቲ ሓደ ስለዝኾነ፥ ብቕዓት ዘለዎም ኣሽከርከርቲ ንምፍራይ ስርዓት መረጋገፂ ብቕዓት ምሽክርካር ምሕንፃፅን ድጋፍ ኣፍልጦ ሕጊ ምሃብን ስለዝግባእ ከምኡ እውን ምስ ኣወሃህባ ፍቓድ መረጋገፂ ብቕዓት ቀጥታ ርክብ ዘለዎም ኣካላት ትግባርን ሓላፍነት ብግልፂን ብዝርዝርን ምሕንፃፅ ስለዘድሊ ረቂቕ ደምቢ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ እውን ምይይጥ ምስገበረሉ  እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ።

  1. እቲ ቤት ምኽ ኣብ ረቂቕ ደምቢ ወሰን ቅልጣፈ በዓል ሞተር ተሸከርቲ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ኣብቲ ደምቢ ብዕምቆት ብምዝታይን እታወታት ብምውሳኽን ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ላካብ ዝወፅአሉ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ክብደትን መጠንን ኣሽከርካሪ ንምቁፅፃር ኣብ ዝወፅአ ረቂቕ ደምቢ፣ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ከምብሓዱሽ ነምውሳን ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢን ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅን ዝብሉ ሰለስተ ረቀቕቲ ደምቢታት እውን ተዛቲዩ ኢዩ።

ኣብቶም ረቀቕቲ ደምቢታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይን እታወታት ብምውሳኽን ድማ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅአሉ መዓልቲ ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ወሲኑ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.