Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኸፍአ ለውጢ ክሌማ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ብብርኪ ዓለም ዝኸፍአ ለውጢ ክሌማ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ቴድሮስ ኣድሓኖም(ዶ/ር)፥ ኣብ ዝሓዝናዮ ሰሙን 2023 ዓ.ም.ፈ ልዑል መጠን ሙቐት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

እቲ ለውጢ ክሌማ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂ ሰባት ፅዕንቶ ከምዝህልዎ ብምግላፅ፥ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ክሌማ ኣብ ዓለም ጥምየት፣ ስደትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ንከይመፅእ ስግኣት ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብምኽኒያት እቲ ለውጢ ክሌማ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ድርቂ፣ ውሑጅ፣ ከቢድ ሆቦብላ ንፋስን መጠን ሙቐትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፀገማት ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ እቶም ዳይሬክተር ኣጠንቂቖም ክብል ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.