Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ይኽበር ኣሎ።

“ዝተጠናኸረ ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ንልምዓትን ምዕባለን ህዝቢ” ብዝብል መሪሕ ቓል እናተኸበረ ዝርከብ እቲ በዓል፥ ብብርኪ ዓለም ንመበል 32 ግዘ ብኢትዮጵያ ድማ ንመበል 11 ግዘ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

እቲ በዓል ብሄራ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምስ ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር ብበይነ መረብ ተሓጊዙ ኣናተኸበረ ውዒሉ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝን ኣብቲ ትካል ተወካሊ ፍሉይ ፀሓፊ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ማሚ ሚዙቶሪን እቲ መዓልቲ ኣመልኪቶም ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ንተሳተፍቲ እቲ ዘተ ቀሪቡ።

ሓለፍቲ ስራሕ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመንፅ ሓደጋ ምንካይን ኣቐዲምካ ምክልኻልን ኣናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝምልከቱ መበገሲ ሓሳባት ኣብቲ እዋን ዘተ ቀሪቦም።

በቶም ዝቐረቡ ፅሑፋት ምይይጥ እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.