Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ትካላት ዘመተ ህወሓት ምቅለዐን ንኢትዮጵያ ግዙፍ በሪ ዲፕሎማሲ ዝኸፍት ኢዩ-ፖለቲከኛታት   

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካላት ዘመተ ህወሓት ምቅለዐን ንኢትዮጵያ ግዙፍ በሪ ዲፕሎማሲ ዝኸፍት ኢዩ ክብሉ ፖለቲከኛታት ተዛሪቦም።

እቶም ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ፖለቲከኛታት፥ እቲ ተግባር ህወሓት ንዝውግነሉ ሀዝቢ እውን ዘለዎ ጭካነ ክሳብ ክንደይናይ ምዃኑ ዘረድእ ኢዩ ኢሎም።

ኣቦ መንበር ፓርቲ ነፃነትን ሓድነትን ዶክተር ኣብድልቃድር ኣደምን ኣካቢ ኮሚቴ ብሄራዊ ዘተ ኢዜማ እዮብ መሳፍንትን፥ ልሙድ ተግባር ህወሓት በትካላት ዓለም ምቅልዑ ቀፃሊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘቕልል ኢዩ ኢሎም።

ፀሓፊት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካን ምክትል ኣካቢት ሰዴፓን ዶክተር ራሂል ባፌ ብግደአን፥ እቲ ጉጅለ ዝንቀሳቐሰሉ ዕላማ ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገፀ ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

እተን ትካላት ከብ ምውጋዝ ሓሊፈን ናብ ስጉምቲ ነክኣትዋ ጥንከር ዝበለ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ እቶም ፖለቲከኛታት ሓቢሮም።

ብሙሃመድ ዓሊ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.