Fana: At a Speed of Life!

ዓቢዪ ፆም ምእመናን ካብ ፅልኢ፣ በደልን ቂምን ዝዕቀቡሉ ክኸውን ይግባእ – ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምእመናንን ምእመናትን ኣብ እዋን ዓቢዩ ፆም ካብ ፅልኢ፣ በደልን ቂምን ክዕቀቡ ከምዝግባእ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲባ።

ፓትሪያሪክ ርእሳነ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ፥ ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ዓቢዪ ፆም ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ፓትሪያሪክ ኣብ መልእኽቶም፥ ህዝበ ክርስትያን ዓቢዪ ፆም ካብ ቂምን በቐልን ርሒቑ ኣብ ሰናይ ስነ-ምግባርን መንፈሳዊ ህይወትን ከሕልፎ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ኣብ እዋን ዓቢዪ ፆም ድምፂ ፈጣሪ ጥራሕ ኢዩ ክንሰምዕ ዝግበአና” ዝበሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ድምፂ ፈጣሪ ድማ ፍቕሪን ሰላምን፣ ሓድነትን ስምምዕነትን፣ ዕርቂን ይቕረታን፣ ምሕረትን ልግስናን፣ ፀሎትን ምፅዋትን፣ ፍትሒን ሓቂን ከምኡ እውን ማዕርነትን ሕብረትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ገጢሙዋ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ፆምን ፀሎትን ዝሓሸ ኣማራፂ ከምየሎ እውን ገሊፆም።

ፆም እንትበሃል ቀዲሙ ናብ ሰብ ኣእምሮ ዝመፅእ ሓሳብ ካብ እንስሳት ተዋፅኦ ምግብታት ምርሓቕን ሰዓት ሓሊኻ ምምጋብን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፓትሪያርክ፥ ካብዚ ብተወሳኺ ግን ፆም ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።

ፆም ሰባት ንእግዚኣብሄር ምእዙዛት ክኾኑ ዝገብር መሳርሒ ብምዃኑ፥ ህዝበ ክርስትያን ናብ ፈጣሪ ቀሪቦም ንምልማንን ካብ ፈጣሪ ተሰማዕነት ንምርካብን ብንፁህ ልቢ ንስሃ ክኣትዉ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፌል፥ ዓቢዪ ፆም ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ እቲ እምነት መልእኽቲ አመሓላሊፎም።

ብፁእ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ኣብ መልእኽቶም፥ ዓቢዪ ፆም ንሰላምን ሓድነትን ሃገር ትኹረት ብምግባር ፈጣሪ ብምልማን ከሕልፉዎ ከምዝባእ ኣተሓሳሲበቦም።

ኣብ እዋን ፆም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት ምሕጋዝ፣ ብሕማም ንዝሳቐዩ ሰባትን ሽማግለታትን ምጥያቕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.