Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ግንባር ዓፋር ኣብ ግንባር ምዕራብ እውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ

ኣብ ኣምሓራ ክልል ኣብ ምዕራብ ግንባር ኣብ ዛሬማ፣ ጨው በርን በር ማሪያምን ዝተብሃሉ ከባቢታት ናይ ሃገር መከላከያ ሰራዊት ፤ ናይ ኣየር ሓይሊ ፣ ንሰራዊት ደጀን ዝኾነ ናይ ኣምሓራ  ህዝቢ፣ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊን ዕጡቕን ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ሽብርተኛ ህወሃት ዕጡቕ ጉጅለ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ እቲ  ሽብርተኛ ጉጅለ  ልዑል ሰብአዊን ቁሳዊን ኪሳራበፂሕዎ።

ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ኣስከሬናት ፅዒነን ናብ ማይ ፀብሪ ዝወሰዳ እንትኾና፥ ኣብቲ ጦርነት ስሙ ንጊዝይኡ ዘይተፈለጠ ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣመራርሓ ኣስከሬን ብፓትሮል ታተዓጂቡ ናብ ማይፀብሪ ተወሲዱ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ አድርቃይ ኣብ ዝነበሩ ዕጡቓት ጉጅለ ናይ ሃገር መከላከያ ሰራዊት ከምኡውን ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ብዝወሰድዎ  ስጉምቲ ናይቲ ጉጅለ ዕጡቕ ሽብርተኛ ኣመራርሓ ዝተረፈ ሓይሊ ናብ ማይፀብሪ ንክሃድም ትእዛዝ ዝሃብዎ እንትኾኑ፥ ኣብቶም ከባቢታት ተቖሪፁ ዝቐረየ  ናይ ኣሸባሪ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብኡ ንምቕራይን ንምድምሳስን እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።
ኣብ ጋሸና  ግንባር ሳሊናን ጎብጎብን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ብዝተወሰደ  ናይ ኣየር መጥቃዕቲእቲ ጉጅለ ሰበአዊን ቁሳዊን ኪሳራ የዝገጠሞ እንትኸውን ነዚ ስዒቡእቲ ጉጅለ ናብ ድሕሪት ብምጉያይ ናብ ሰሜን ወሎ ዞባ እስታይሽ፣ አሁንተገኝ፣ ጋሸና፣ ገርገራን ፍላቂት ከተማታትካብ ትካላት መንግስቲ፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡውን ካብ ሕብረተሰብ ብዙሓት ንብረታት ብምዝራፍ ብዙሓት ተሸከርከርቲናብ ትግራይ ንምውሳድ እንትንቀሳቐስ ቲሃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓረስቶት ኣምሓራምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ብምዃን ትማሊ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ነተ ንብረት ገዲፉ አስ ናብ ዝበሃል ሃዲሙ።

ኣብ ዓፋር ግንባርም  ኣብ ሀሮ መስመር ኣብ ድሬእሮቃ  ኣረርቲ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዕጡቓት እቲ ሽብርተኛ ህወሃት   ብ8/2013 ዓ.ም ለይቲ ብዝተፈፀምዎ ሃንደበታዊ ትንኮሳ ጀግና ናየረ ሃገር መከላከያ ሰራዊት፣ ናይ ዓፋር ክልል ፍሉይ ሓይሊን ዕጡቕን ብምዃን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ እንትድምሰስ ብዙሓት ሙዉታትን ቁሱኣትን እንትኾኑ፤ ዲሽቃታት ሓዊሱ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ጦር ከምዝተማረኹ ፍልፍላት ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.