Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ሕርሻ ንዕብየት ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣብ ግምት ዘእተወ ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ይግባእ-  ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ሕርሻ ንዕብየት ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ኣብ ግምት ዘእተወ ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ከምዝግባእ ሚኒስትር ሕርሻ ዶ/ር ግርማ ኣመንቴ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኢንስቲትዩት ትራስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ባንኪን ብሓባር ዘዳለውዎ ዓውደ መፅናዕቲ ፋይናንስ ሕርሻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ሕርሻ ዶ/ር ግርማ ኣመንቴ፥ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ሐዚ እውን ዝተርፉ ስራሕቲ ከምዘለው ሓቢሮም።

እቲ ዘሎ ሃፍቲ ልዑል ማይ፣ ሃፍቲ ከርሰ ምድሪን ሃፍቲ ሰብን ብምጥቃም ዝሐሸ ነገር ምፍራይ ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ትካላት ፋይናንስ ንዓውዲ ሕርሻ ዘቕርብዎ ልቓሕ ሐዚ እውን ትሑት ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ስለዝኾነ ንክፍለ ኢኮኖሚ ሕርሻ ንሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕብየት ዘለዎ ልዑል ግደ ተሓሳቢ ዝገበረ ቀረብ ፋይናንስ ፈሰስ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.