Fana: At a Speed of Life!

ዝተጀመረ ተስፋ ሰላም ንኽፀንዕ ኣቦኣዊ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና – ኣቦታት ሃይማኖት ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጀመረ ተስፋ ሰላም ንኽፀንዕ ኣቦኣዊ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ክልል ትግራይ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስንቲግ ኮርፖሬት ኣብ ከተማታት ሸራሮ፣ ኣኽሱምን ዓድዋ ዘዘራረቦም ኣቦታት ሃይማኖት ክርስትናን እስልምን÷ ሰላም ምስባኽ ብሃይማኖታት ተቐባልነት ዘለዎ ተግባር ከምዝኾ ኣብሪሆም።

እቲ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም እውን ኩሉ ክሕልዎን ክከናኸኖን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

“እወንታዊ ክብሪታት ሃይማኖት ንምእመናን ኣስተምህሮ ብምሃብ ኲናት ብዘላቕነት ጠጠው ኢሉ ሰላም ክኸውን ክንሰርሕ ኢና” እውን ኢሎም እቶም ኣቦታት ሃይማኖት።

ምህዋኽ ሰላም ኣብ ኣቢያተ እምነትን ምእመናንን ዘሕድሮ ፅዕንቶ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ሰላም ብምስራሕ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቶም አቦታት ሃይማኖት ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት፣ ሰላምን ፀፅታን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ እወንታዊ ጅማሮታት ከምዝሖኑ ፀሪሖም፡፡

ብምዃኑ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉን ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብቅልጡፍ ተበፃሕቲ ክኾኑ ንኽስራሕን ሓቲቶም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.