Fana: At a Speed of Life!

ዝተፀንዐ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ክሳራ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፀንዐ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ክሳራ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ አብ ዝሃበኦ መግለፂ እየን ነዚ ዝገለፃ።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ጋዜጣዊ መግለፂአን፥ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ መጠቃዕቲ ምስዓብን ስራሕቲ ንሓዋሩ ምእላይን ክካየዱ ምፅንሖም ሓቢረን።

ብፍላይ እቲ ጉጅለ ራዕዲ አብ ክልል ኦሮሚያን መዋሰንቲ ከባቢታትን ይህውኽ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፀን፥ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኦሮሚያን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ወፍሪታት ክካየዱ ምፅንሖም አብሪሀን።

በቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ድማ ዓበይቲ ዓወታት ከም ዝተረኸቡ ገሊፀን፡፡

እቲ ክወሰድ ዝፀንሐ ወፍሪታት ኣብ ዝተፀንዑ ቦታታትን እብ ዒላማ ዝተገበረሎም ውስናት ከባብታትን እንትኾን፥ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ራዕዲ አብ ግምት ዘእተወ ከም ዝኾነ ሓቢረን።

ካብ 16 ክሳብ 22 ሓምለ 2014 ዓ.ም ብዝተወሰደ ዝተዋደደ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ 3 ሚኢትን 33 ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ስጉምቲ ተወሲዱ እዩ ኢለን፡፡

እተን ሚኒስትር ድኤታ ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ይሕግዙ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 671 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ምፅራይ ይግበረሎም አሎ ኢለን።

ብተወሳኺ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ  ሸኔ አብ ልዕሊ ዜጋታት ከብፅሖ አብ ዝደሊ ስጉምቲ በቀል ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምክልኻል ተሰሪሖም እዮም ኢለን።

ብቐፃልነት ቀጥታዊ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዘድሊ ሙዃኑ ሓቢረን።

በዚ ድማ ምስ ኣካላት ፀጥታ ተሓባቢሩ ብምስራሕ አብ ምምኻን ዕላማ እቲ ጉጅለ ሕብረተሰብ ክሳተፍ ፀዊዐን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.