Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ትካላት ቴሌኮም ንምቕራብን ንምክፍፋልን ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ትካላት ፍርያትን ኣገልግሎትን ቴሌኮም ንምቕራብን ንምክፍፋልን ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ 509 ናይ ባዕሉ ማእኸላት መሸጢ ከምኡ እውን 134 ማእኸል ወኪላት መሸጢ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም  ፍርያትን ኣገልግሎትን ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባርን ኣገልግሎት ዓማዊል ንምውሳኽን ዘኽሎ ብብሕታዊ ኣጋርነትን ቀንዲ ኣከፋፋሊን ምስ ዝሰርሑ ሸውዓተ ትካላት ስምምዕነት ከምዝፈፀመ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬሕይወት ታምሩ ገሊፀን።

እቶም ሃገር ለኸ ኣከፋፈልቲ ኢትዮ ቴሌኮም ብምውካል ኣገልግሎት ቴሌብር፣ ሞባይል ሲም ካርድን ኣየር ሰዓትን ከምኡ እውን ተተካኢ ሲም ካርድ ብቀንዲ ኣከፋፈላይነት ንኽሰርሑ ከምኡ እውን ማእኻላት መሸጢ ብምኽፋት ፍርያትን ኣገልግሎትን እቲ ኩባኒያ ንዓማዊል ንኽህቡ ዘኽእሎም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.